ሱዳን፣ ንግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ኣመሪካ፣ ዝልኣኸቶ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ፣ ኣመሪካ ኣብ ሕሳባ ከምዝኣተወ ኣፍሊጣ

Radio Erena: Friday, 02 April 2021

ሱዳን፣ ንግዳያት ናይቲ ኣብ 1998፣ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝውዕል፣ 335 ሚልዮን ዶላር፣ ካሕሳ ከምዝኸፈለት ኣመሪካ ኣፍሊጣ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብ31 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ካብ ሱዳን ዝተዋህበ ካሕሳ፣ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፣ ንግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ኬንያን ታንዛንያን፣ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ የመን፣ ኣብ ልዕሊ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ካርቱም ንዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ትካል ረዲኤት ኣመሪካን (USAID)  ክኽፈል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ዝከሓስሉ መንገዲ ምንዳይ ኣመሪካ፣ ብቐዳምነት ክትሰርሓሉ ከምዝጸንሐት ብምዝኽኻር፣ አቲ ካሕሳ፤ ስድራቤታት ገለ ዕረፍቲ ዝረኽባሉ ክኽውን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ሱዳን፣ ነቲ ብኣመሪካ ክሕተት ዝጸንሐ ካሕሳ ክትከፍልን ምስ እስራኤል ድማ ዝምድና ክትምስርትን ድሕሪ ምስምምዓ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ብምእላይን ንኣስታት 20 ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ እገድ ብምልዓልን፣  ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ሓድሽ ናይ ዝምድና ምዕራፍ ከፊቱ’ዩ።

ሱዳን ክትከፍሎ ዝተሰማምዐ ካሕሳ፣ ኩሉ’ቲ ኣብ መንጎ ክልትኢን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዓት ክሳብ ዝትግበር፣ ኣብ ናይ ሳልሳይ ኣካል ሕሳብ ተታሒዙ’ዩ ጸኒሑ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0