Radio Erena: 07 January 2021
ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ተሓቲቱ ዘይኮነ ባዕሉ’ዩ ክብል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዮም ገሊጹ።
እቲ ጀነራል ምስ ህዝቢ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፣ ዶብ ክሕሉ ዝወፈረ ሰራዊት ሰሜን እዚ፣ ብህወሓት ድሕሪ ዝተኸፍተሉ መጥቃዕቲ፣ ነብሱን ዶብን ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ባዕሉ ጥሒሱ ከምዝመጸ ኣረዲኡ።
ጀነራል በላይ ብተወሳኺ፣ ‘ናይ ባዕዲ’ ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ፣ ብጣዕሚ ከምዘጉህየናን ሳዕቤናቱ ድማ ንፈልጦን ኢና ድሕሪ ምባሉ፣ ናብዚ ኩሉ ጸገም ዘውደቐና ግና መን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም ክብል’ዩ ንህዝቢ መቐለ ኣገንዚቡ።
ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ብወገኑ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ኣትዩ ዶ ኣያተወን ዘይኮነ፣ መዓስን ብኸመይ ይወጽእ’ዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ሕቶ ክብል ንህዝቢ እታ ከተማ መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነሉ ከባቢታት ጥራይ እንተዘይኮይኑ ናብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘይኣተወ ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብኣንጻር እዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝገበረሉ ሓገዝ ብወግዒ ኣመስጊኑ’ዩ።
ይኹን’ምበር ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ ብንጹር ኣይገለጸን።
ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ንዝተፈጥረ ጸገም፣ ብወትሃደራዊ ሓገዝ ጎረቤት ሃገር ንምፍትሑ ዘካየዶ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ኣብ ፈለማ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ናእዳን ኣድናቖትን እኳ እንተረኸበ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ‘ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃበ’ እናተባህለ ይውቀስ ኣሎ።
ንሱ፣ ምስ ህወሓት ንዝነበሮ ምትፍናንን ወጥርን፣ ብሓገዝ ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ከም ጸላኢ ክርአ ዝጸንሐ ናይ ጎረቤት መንግስቲ፣ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምልፋኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ቅርሕንቲ ኣሕዱሩ ምህላዉ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽታት’ውን የረጋግጽ።
==============