ሱዳን፣ ዘለዋ ዕዳ ንምኽፋል ዘኽእላ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ኣመሪካ ንምርካብ ትጽበ

Radio Erena: 06 January 2021

ሱዳን፣ ዘለዋ ዕዳ ንምኽፋል፣ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትጽበ ምህላዋ ተገሊጹ።

ባይቶ ኣመሪካ፣ ብሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ እቲ ንሱዳን ክወሃብ ከምዝኽእል ዝተገልጸ መጠን ገንዘብ፣ ንኽጸድቕ ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዝልኣኾ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ገለ ክፋል ናይቲ ክሳብ መስከረም 2022 በብደረጅኡ ክቕጽል’ዩ ዝተባህለ ሓገዝ፣ ሱዳን ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንዝተለቀሓቶ 130 ሚልዮን ዶላርን ካልእ ዕዳታትን ንምኽፋል ክሕግዛ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ንኸተልዕል፣ ሱዳን ብወገና ንግዳያት ናይቲ ኣብ 1998፣ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ’ያ።

ይኹን’ምበር፣ ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ድሮ እቲ ስምምዕ ከምዝኸፈለቶ ዝተገልጸ ብዝሒ ገንዘብ፣ ካብ መወልቲ ብመልክዕ ሓገዝ ክምለሰላ ከምዝኽእል ክጥቀስ ጸኒሑ።

እዚ ኣመሪካ፣ ክትልግሰላ መዲባ ዘላ ሓገዛት’ውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ተባሂሉ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንኸተልዕል፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ምምስራት’ውን ከም ካልኣይ ረቛሒ ኣቐሚጣቶ ምንባራ ይፍለጥ።

ሱዳንን እስራኤልን፣ ብወግዒ ዝምድና ድሕሪ ምምስራተን፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምትሕግጋዝ ሓያሎ ውዕላት ከምዝኸተማ’ዩ ተገሊጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0