ሚኒስተር ምክልኻል የመን ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ኣዘራሪቡ

ሚኒስተር ምክልኻል የመን ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 12 December 2014

EriyemDef

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ምግፋፍ ዓሳን ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን።

ነቲ ዝርርብ ዘካየዱ ብወገን መንግስቲ የመን ሚኒስተር ምክልኻል ማሕሙድ ኣል ሱባይሒ ክኸውን እንከሎ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣምባሳደር ማሕሙድ ሸኽ ዓብዱል ጀሊል’ዮም።

ካብ ተቓወምቲ ሑቲን መንግስትን ዝተዋጽአ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ የመን ካብ ዝቐውም፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ የመን ኣቶ ማሕመዱ ሸኽ ዓብዱል ጀሊል ምስ ሰለስተ ሚኒስተራት ናይቲ መንግስቲ ተመሳሳሊ ዝዝርብ ኣካይዱ ኣሎ።

 

ኣቐዲሙ እቲ ኣምባሳደር ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳን ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ እቲ ገና ንኤርትራን የመንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ባህላዊ ምግፋፍ ዓሳን ምትሓዝ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብኤርትራን ብምትኳር ተዘራሪቡ’ዩ።

ኣምባሳደር ማሕሙድ፣ ትማሊ 11 ታሕሳስ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል የመን ኣብ ሰንዓ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ድማ፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ የምንን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ ድማ ምግፋፍ ዓሳን ዘተኮረ ምንባሩ’ዩ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቐዲሙ ብጉዳይ የመን ብዝምልከት ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ጋዜጣ ኣልሞኒቶር ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባራ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ ግብጽን ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ከምጽእ ከምዝኽእል ብምጥቃስ፣ እዘን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ጉዳይ የመን ተበግሶታት ክወስዳ’ዩ ሓቲቱ።

እዚ ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስታት ኤርትራን የመንን ኣብ ሰንዓ ዝተኻየደ ዝርርብ’ውን ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ተንኪፉ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥቀስ።

ሚኒስተር ምክልኻል የመን ማሕሙድ ኣል ሱባይሒ ምስ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ የመን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን፣ ዘሎ ጸገማት ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ብዝካየድ ስምምዓት ንምፍታሕ እቲ ሚኒስትሪ ቅሩብ ምህላዉ’ውን ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክግበር ንዝኽእል ምትሕግጋዝ’ውን ዘትዮም።
===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0