Radio Erena: 22 June 2019
መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ማእከላት ጥዕና ክህግረን ምውሳኑ፣ ኣብ ተገልገልቲ ከቢድ ሳዕቤን የምጽእ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ቢንቢና ሓንቲ ኣደ ክትመውት እንከላ ኣብ ካልኦት ገጠራት ከኣ ሕሙማት ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ኣብ ገለ ካብዘን ክህገራ ዝተወሰነለን ማእከላት ጥዕና መፍትሕ ከረክቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ዘለዉ። ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንገለ ብሓይሊ ክምንዝዕዎም እንከለዉ፣ ንካልኦት ድማ ምስ ኩሉ ንብረቱ ከምዝዕሸግ ጌሮሞ ኣለዉ። ኣብቲ ሕክምናታት ተዓቚቦም ዝነበሩ እውን ብሓይሊ ከምዝወጹ ተገይሩ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክእለያ ዝጸንሓ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ማእከላት ጥዕና፣ ንኩለን ብወተሃደራት ከምዝሕለዋ እዩ ገይሩወን ዘሎ።
ካብ 18 ክሳብ 20 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ቢንቢና እትቕመጥ ነፍሰጾር፣ እቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ሕክምና ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ስለዝተዓጽወ፣ ንክትሓርስ ሕክምናዊ ረዲኤት ክትረክብ ኣይከኣለትን። ናብ ካልእ ሕክምና ክትከይድ ኣምቡላንስ ኣብ ዝተሓተተሉ ከኣ፣ እታ ኣምቡላንስ ምስቲ ሕክምና ስለዝተዓሸገት ክግልገሉላ ኣይተፈቕደሎምን።
በዚ ምኽንያት’ዚ ዝተደናጎየ ሕማም ሕርሲ እታ ኣደ ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ፣ ውላድ ህጻን ገዲፋ ዓሪፋ።
ብሰላምን ምሉእ ጥዕናን ክትገላገል ትኽእል ዝነበረት ኣደ፣ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ንትካላት ጥዕና ምዕጻዉ ህይወታ ምሕላፉ፣ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ኣቐድም ኣቢሎም ነዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምቅዋም መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ ቅሉዕ ደብዳቤ ምጽሓፎም ተገሊጹ’ዩ።