ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን መሰረቱ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 21 June 2019

ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ብ20 ሰነ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተኣከቡሉ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ጉዳይ ስደተኛታት ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ።

እቲ ብዕለት 19 ሰነ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፣ ራድዮ ኤረና እትርከቦም ከም ምሕዝነት ምስ የመን፣ ቲንክ ኣፍሪቃ፣ ረቪቨ ኣሶሴሽን ዝኣመሰላ ዘይመግስታውያን ማሕበራት ተሳቲፈን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ራድዮ ኤረና ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምግላጽ፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ ኤርትራ ካብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ምዃና ኣብሪሁ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ፍታሕ ኢሉ ዝወሰዶም ውሳኔታት ንኩነታት ስደተኛታት ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ብምሕባር፣ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጉዳል ንመንግስቲ ኤርትራ ረዲኤት ከም ምሃብ ዝኣመሰሉ ምሳሌታት ኣቕሪቡ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ሽግር ፈጣሪ ብምዃኑ፣ ናይ ፖለቲካ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሩ ንምጉዳል፣ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ንዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓተ ምሕደራ ምፍታሽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እቶም ካብ ኤርትራ፣ የመን፣ ሱዳን፣ ሶርያን ካልኦት ሃገራትን ዝተዋጽኡ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነናይ ሃገሮም ኩነታት ስደተኛታት ድሕሪ ምግላጾም፣ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም።

እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፣ ምምሕዳር’ታ ከተማ ዝርከቦም ፖለቲከኛታት መንግስቲ ከምዝተሳተፉዎ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0