Radio Erena: 18 June 2019
መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክሊኒካት ክህግረን ምውሳኑ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ቁጠዐ ፈጢሩ።
እተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ክሊኒካት 22 ኮይነን፣ ኣብአን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ሕሙማት ብሓይሊ ነንገዝኦም ክፋነዉ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐሰቡ ይግለጽ።
መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝለኣኹዎ ጥርዓን፣ ሕጊ ኣብ ዘለዋ ሃገር፣ ብኢደ ዋኒን ትካላት ጥዕና ምዕሻግ ዝግባእ ከምዘይኮነ ገሊጾም።
እተን ኣብ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ተደኲነን ንህዝቢ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ብምዕጻወን፣ ኣብ ህዝቢ ድሮ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ዝዓጸወሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ መራሕቲ ሃይማኖት’ታ ትካል ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ኢድ ብምእታዎም ምዃኑ’ዩ ብሰፊሑ ዝውረ ዘሎ።
እንተኾነ ካብቲ መንግስቲ ዝተዋህበ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ከምዝፍለጥ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ዝገልጽን መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ጨካን ኣተሓሕዛን ዝነቅፍ ተደጋጋሚ መልእኽታት ብምትሕልላፍ፣ ህዝቢ ክብደል እንዳረኣና ዓይንና ኣይዕምትን ኢሎም’ዮም።
=======================