መንግስቲ ኤርትራ፣ 44 ኣመንቲ ጴንጤቆስጣል ክርስትና ኣሲሩ

Radio Erena: 31 January 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣስታት 44 ኣመንቲ ጴንጤቆስጣል ክርስትና ከምዝኣሰረ፣ ረሊዝ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ተጣበቒ መሰል እምነት ክርስትና፣ ብ30 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ካብቶም ብእኩብ ኣብ ጸሎት እንከለዉ ዝተኣስሩ 44ኣመንቲ፣ እተን 39 ደቂንስትዮ’የን።

ንሳቶም ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ ብጠቕላላ ልዕሊ 400 ኣመንቲ ክርስትና ተቐይዶም ምህላዎም ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጸሎት ዝጸንሑ ኣመንቲ ብጅምላ ክኣስር እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

‘ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ’ያ’ ዝበለ መሻርኽቲ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝኾነ ዶ/ር ብርሃነ ኣስመላሽ፣ እቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል መንግስቲ፣ 415 ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ኣሲሩ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ ኣመንቲን መራሕቲን ሃይማኖታት እስልምና፣ መሰኻክርን ጂሆቫን ክርስትናን፣ ዝተፈላለየ ክሲን ወቐሳን ብምቕራብ ክኣስር እንከሎ፣ ንገሊኦም ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ሰዊርዎም ይርከብ።

ሓያሎ ካብቶም ብእምነቶም ዝተኣስሩ ዜጋታት፣ ኣብ ማእሰርቲ ብዝገጠሞም ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስእነት ህጹጽ ሕክምናን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0