መንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይቲ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቐት (ሊብሬቶ) ከጻርዩ ሓድሽ መምርሒ የመሓላልፍ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይቲ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቐት (ሊብሬቶ) ከጻርዩ ሓድሽ መምርሒ የመሓላልፍ

Radio Erena: 21 August 2017

Eri Govt

መንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይቲ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት (ሊብረቶ) ከጻርዩ ሓድሽ መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፣ ኣብቲ ዋንነት ምስክር ወረቀት ስማቶም ዝተጠቕሱ ወረስቲ ሕጂ ዘለውዎ ቦታን ክሕብሩ ብምጽዋዕ፣ ኣብ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ወረስቲ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተ ኾይኖም ካብ ምምሕዳርን ኣሃዱታቶምን ናይ ድጋፍ ወረቓቕቲ ከምጽኡ ኣብ ውጻኢ ሃገራት ዝርከቡ እንተኮይኖም ድማ፣ ኣብ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲን ናይ ዝኸፍልሉ ሰነድ ከቕርቡን ዝጠልብ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ሓድሽ መምርሒ ዘውጽእ ዘሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ብስደት ተጸልያ ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ናብ ስደት ዘምርሑ ኣባላት እታ ስድራ ድማ ኣብ ንጥፈታት ተቓውሞ ከምዘየለውን ምስ ኤምባሲ ተቖሪኖም ከምዝርከቡን ንምርግጋጽ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ ዝበሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊ ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ከምዘውጽእው’ውን ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እቲ ሓድሽ መምርሒ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ንዝጸንሀ ምትፍናን ብዝበኣሰ ከጋድዶ ከምዝክእል’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ስደት ዝኸዱ ኣባላት ስድራቤታት ንምቁጽጻር፣ ተደጋጋሚ እዋን ናይ ኩፖን ምሕዳስ ከምዘካይድ’ውን ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0