ኢጣልያ፣ ኣብ ሓደ ኣረጊት ህንጻ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዜጋታት   ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ግዳም ትሰጉግ

ኢጣልያ፣ ኣብ ሓደ ኣረጊት ህንጻ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ግዳም ትሰጉግ

Radio Erena: 21 August 2017

Rome Migrants Eviction

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ኣብ ሓደ ኣረጊት ህንጻ ከተማ ሮማ ተዓቝቦም ንዝጸንሑ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ግዳም ኣውጺኡ።

እዚ ፖሊስ ኢጣልያ፣ ኣብቲ ብቀዳም፣ 19 ነሓሰ ዘካየዶ ስደተኛታት ካብቲ ህንጻ ናይ ምስጓግ ስርሒት፣ ነፍሰ ጾራት ደቂንስትዮን ህጻናትን ከይተረፉ’ውን ግዳያት ጌሩ ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብት ከተማ ሓቢሮም።

ኢጣልያ፣ ንስደተኛታት ዝኸውን እኹል መንበሪ ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከተዳሉ ብዘይምኽኣላ፣ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ካልእ ክሳብ ዝግዕዙ ኣብ ጎደናታት’ዮም ክናበሩ ዝጸንሑ።

እዚ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ፣ ከባቢ መደበር ባቡር ተርሚኒ ዝርከብ ኣረጊት ህንጻ፣ ንኽመሓያሽ ተባሂሉ ዝኾነ ኣገልግሎት ካብ ምህባ ደው ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ካብ 2013 ኣትሒዞም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይፍቓድ ክሰፍርዎ ጀሚሮም።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ህንጻ ብሓይሊ ክወጹ ኣብ 2015 ወሲኑ እኳ እንተጸንሐ፣ ክሳብ ቀዳም 19 ነሓሰ ከይተተግበረ’ዩ ጸኒሑ።

እዞም ብሓይሊ ፖሊስ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ተሰጕጎም ዘለዉ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ዝኾነ መጽለሊ ኣብ ጎደናታት ተደርብዮም ይርከቡ።

ትካላት ግብረ ሰናይ መሰረታዊ ሓገዛት ይገብራሎም እኳ እንተለዋ፣ ብዛዕባ መጻኢኦምን ውሕስነት ምንባሮምን ግና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ከተማ ሮማ የመልክቱ።

ኢጣልያ፣ ነዞም ስደተኛታት ካብቲ ህንጻ ትሰጉግ ዘላ፣ ህወይት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ብምድሓን ንዝተፈልጡ ኤርትራዊ ኣባ ካህን፣ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተሓባቢሮም ብዝብል ንዘቕረበትሎም ክሲ፣ ካብ ብዙሓት ወገናት ተቓውሞ ይውሕዛ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0