ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝሓዞም 32 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ኣፋንዩ

Radio Erena: 06 February 2020

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ክሊ ማይ የመን፣ ኣብ ዘሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፍሮም ኢሉ ሕዚዎም ዝጸንሐ 32 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዘፋነወ ኣፍሊጡ።

እቶም ንኣስታት 3 ሰሙን ኣብ የመን ተታሒዞም ዝጸንሑ ግብጻውያን፣ መንግስቲ ግብጺ ንምልልቃቖም ክገብሮ ብዝጸንሐ ጻዕሪ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማያት፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈራ ዓበይቲ ጀላቡ ብተደጋጋሚ ከምዝርኣያ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ’ውን ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፍሮም ጸኒሖም ዝተባህሉ የመናውያንን ግብጻውያንን በብእዋኑ ክትሓዙ ጸኒሖም’ዮም።

ሱዳን ብወገና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ክሊ ማያ፣ ዓሳ እናገፈፉ ዝተታሕዙ’ዮም ዝበለቶም 10ታት ግብጻውያን ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሃገሮም ከምዘፋነወት ኣይርሳዕን።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0