ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ምዕራብ ወለጋ ህልቂት ይፍጽም ከምዘሎ ኦነግ ወቒሱ

Radio Erena: 06 February 2020

ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ምዕራብ ወለጋን ጕጂን፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ህልቂት ይፍጽም ኣሎ ክብል፣ ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣብ ምቕጻል ዝርከብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቐሱ።

ኣብቲ ዞባ፣ ተራእዩ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው፣ ሰራዊት መንግስቲ ብዝፍጽሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን’ዩ ዝበለ እቲ ግንባር፣ ቀዳማይ ተሓታቲ ናይዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ዩ ክብል ነቐፉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ኦሮሞ ንምህዳን ናብ ምዕራብ ወለጋን ጕጂን ከምዝወፈረ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ዝኾነ ፋይዳ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ብምዝርራብ ገለ ክፋሉ ደው ከምዝበለ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ ቅድሚ ሰሙናት ዝተጨውያ 9 ደቂንስትዮ፣ ብሸኔ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦርሞ ከምዝተታሕዛ ናይ መንግስቲ ወገናት ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ግንባር ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከምዘይተዋፈረ’ዩ ዘመልክት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ብፍላይ ድማ ዞባታት ምዕራብን ጉጂን ጸጥትኡ ፈሪሱ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንምቑጽጻር ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ኣቛሪጽዎ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ምስቲ ንናጽነት ክልል ኦሮሞ ቃልሱ ክቕጽል ዝወሰነ ኣካል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ርክብ ኣለኩም ንዝበልዎም ሓያሎ ሰባት ይኣስሩን የጋፍዑን ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ደው ብምባሉ፣ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎየን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝጠቕሳ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    hagos 4 years ago

    Selam

    Why are you NOT showing the legal and internationally recognized boundary line between Eritrea and Ethiopia? Please replace the map with a correct map.