ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ዝገበሮ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ከምዘዕነወ ገሊጹ

Radio Erena: 27 December 2021

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ከምዘዕነወ ተገሊጹ።
ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ብሰንበት 26 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ኣልሑቲ፣ ምግዕዓዝ ኣጽዋር ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን’ዩ እቲ መኽዘን ዘለዎ ቦታ ብልክዕ ክፍለጥ ዝተኻእለ ክብል ሓቢሩ።
ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ኢራን ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ሓገዝ ከምዝግበረሉ ንእትኸሶ ኣልሑቲ፣ ነዚ ናይ ዕለት 26 መጥቃዕቲ ዝገበረትሉ ምኽኒያት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣልሑቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ስዑዲ ዝወንጨፎ ሚሳይላት ምዃኑ፣ እቲ ኣገልግልት ዜና ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።
በቲ ደብዳብ ሚሳይል ሰለስተ ስዑዳውያን ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።
ኣብ 2014 ዝጀመረ ውግእ ሓድሕድ የመን፣ ኤርትራ ሓዊስካ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝተጸምበራኦ፣ ብዘተ ንምፍትሑ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ይርከብ።
ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብውሑዱ ህይወት 377 ሽሕ ሰባት ቀዚፉ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0