ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝወረደ ዕንወት ካሕሳ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ካሕሳ ክሕተት’ዩ

Radio Erena: 27 December 2021

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋንን ኣብ ግዜ ኲናትን ናይ ዝዓነወ ንብረት ካሕሳ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቐርብ ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ሓላፊ መራኸቢታት ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ዝወረደ ዕንወት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ ግምት መጠን ገንዘብ ብዝተዓጻጸፈ ስለዝዛይድ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ መተካእታኡ ከበርክት ወግዓዊ ሕቶ ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተኻየደ ኲናት፣ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከብ ናይ ኢንዱስትሪ ዞን ሓዊስካ ሓያሎ ትካላትን ትሕተቅርጽን ብምዕናዉ፣ ንምጽጋኑ ናይ 279.5 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝሓትት ይግለጽ።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዝወረደ ዕንወት ዘከሓሕስ ድጎማ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ዘሕለፈቶ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፣ ብዘይካ’ቲ ቀዚፉዎ ዘሎ ህይወት ሰብ፣ ዝመዛበላ ስድራቤታትን ጥሜትን፣ ኣብ ንብረትን ትሕተ ቅርጽን ዝወረደ ዕንወን ንምፍዋሱ ብውሑዱ 30 ዓመት ከምዘድልያ፣ ቤት ጽሕፈት ማእከል ውጥንን ምዕባለን’ታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0