Radio Erena: 28 November 2018
ብሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ግዳማዊ ኣገልግሎታት ሕብረት ኤውሮጳ ኮአን ቨርቫኤክ ዝምራሕ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ።
እቲ ልኡኽ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ብ27 ሕዳር ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ምቕርራብን ኣብ ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን ተዘራሪቡ።
ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሐገዝ ኣብ ምብርካት ዝርከብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን ለውጥታት እንተተራእዩ፣ ካብ ኤርትራ ዝውሕዝ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ ክጎድል ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎ።
ይኹን’ምበር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ጸገም ከምዝተኣልየ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ጽገናዊ ለውጥታት ንምክያድ ዛጊት ተበግሶ ኣይወሰደን።
========================
COMMENTS