Radio Erena: 24 April 2019
“ልኡኽ ህግደፍ’ዮም” ዝብሃሉ ኣቡነ ሉቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ዜና ንዝውሕዝ ዘሎ ሓበሬታ ዘሕደረሎም ስግኣት ዝእንፍት መግለጺ ዘርጊሖም።
እቶም ቀንዲ መሳርሒ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኖም ዝንገረሎም ጳጳስ፣ ኣብቲ ትማሊ 23 ሚያዝያ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር ሓድነት እታ ቤት ክርስትያን ክፍኖ ዝቐነየን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎን ናይ ሓሶት ዘመተ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣገልገልትን ህዝበ ክርስትያንን ግጉይ መረዳእታ ምእንቲ ከይሕዙ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ብመርትዖ ዝተሰነየ ንጹር ዝርዝራዊ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ጠቒሶም።
ንሶም ነዚ መግለጺ ዝዝርግሑ ዘለዉ፣ ድሕሪ ምትእትታው ህግደፍን ማእሰርቲ ፓትርያርክ፣ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን፣ ካብታ ናይ ህግደፍ ቤተርክርስትያን ተፈልያ፣ ኣብ ስደት ዝቆመት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያ፣ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬትኣ tewahdo.org፣ ምስጢራዊ ርክባት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራን ልኡኻቶም ዝኾኑ ጳጳሳትን ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሓ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ እታ ናይ ስደት ቤተ ክርስትያን፣ ን13 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ንህዝቢ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ’ውን ዘርጊሓ’ያ።
94 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ካብቲ ናይ ገዛ ማእሰርቶም ንህዝቢ ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብታ ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ምትእትታው ብምቕዋሞም መጀመርያ ናይቲ ኩሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ዝወገኑ ጳጳሳት ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉን ካብ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት፣ ነታ ቤተ ክርስትያን ጥራያ ኣትሪፉዋ ከምዘሎ ብዝርዝር ኣቓሊዖም’ዮም።
እዚ ንሶም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ድማ፣ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተሰማዕነት ኣሕዲሩ ከምዘሎን፣ ምትእትታው ህግደፍን ልኡኻቱ ዝኾኑ ጳጳሳትን ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዒታት ብምቅልዑን ድማ’ዮም ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ፣ መግለጺ ዘርጊሖም ዘለው።
እቶም ኣቡን፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ ብስሞም ክዝርግሕዎ ብዘሃብዎም ትእዛዝ ነዚ መግለጺ ከምዝዘርግሕዎ ድማ’ዩ ዝንገር ዘሎ።
===================