ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተታሒዞም

Radio Erena: Wednesday, 05 July 2023

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት፣ ካብ 25 ሰነ ክሳብ 01 ሓምለ፣ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ገማግም ሊብያ ካብ ዝርከባ ከተማታት ዝተበገሱ ምንባሮም ‘ዩ ተጠቒሱ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ካብ ባሕሪ ሒዞም’ዮም ናብ ሊብያ መሊሶሞም።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ሬሳ ከምዝረኸበ’ውን ኣፍሊጡ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 8400 ስደተኛታት፣ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ጸብጻብ ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል የመልክ።

እተን ልዕሊ 400 ካብዚኣቶም ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ እቶም 186 ድማ ቆልዑ’ዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ሸነኻት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ 1800 ከምዝበጽሐ ኣተሓሳሲቡ።

ደሃዮም ክፍለጥ ዘይክኣለ ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ኣስታት 400 ይግምገም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ እትርከብ ኢጣልያ፣ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝኽኣሉ፣ ምስ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝመሳሰል ማእከላት ትሕዞም ምህላዋ ተጣበቕቲ ይኹንኑ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0