ህቡብ ኤርትራዊ ደራፋይ- ዑስማን ዓብልርሒም ኣብ 76 ዓመቱ ኣብ ስደት ዓሪፉ

RADIO ERENA – Sunday, 08 September 2024

ህቡብ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ፣ ዑስማን ዓብደልርሒም፣ ኣብ መበል 76 ዓመቱ፣ ኣብ ሽወደን ዓሪፉ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ዓውዲ ስነ ሙዚቃ ኤርትራ፣ ዘይሃስስ ዓሸራ ዘንበረ ድምጻዊ፣ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝተወልደ ኮይኑ፣ ካብ ፈለማ 1960ታት ኣትሒዙ ብህዝቢ ፍቱዋትን ተዘከርቲን ደርፍታት ኣፍርዩዩ።

8 መስከረም ኣብ ሽውደን ዝዓረፈ ዑስማን ዓብደልርሒም፣ ብሰንኪ ስእነት ጥዕና፣ ንሓያሎ ዓመታት ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ምጽንሑ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይገልጹ።

ራድዮ ኤረና፣ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ ትብል።

===============

ተዘክሮታት ዕላል ምስ ስነጥበባዊ ዑስማን ዓ/ርሒም

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0