ዕማም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል ጸብጻቢ (ስፔሻል ራፖርተር) ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ

RADIO ERENA – Saturday, 05 July 2025

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዕማም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል ጸብጻቢ (ስፔሻል ራፖርተር) ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ 47 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ፡ ብ04 ሓምለ ኣብ ዝተጋብኣሉ፡ 23 ሃገራት ዕማም ናይቲ ጸብጻቢ ክናዋሕ ክድግፋ እንከለዋ፡ 19 ድማ ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ዕማም ናይቲ ንኣስታት 13 ዓመታት፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እናተኸታተለ ጸብጻባት ከቕርብ ዝጸንሐ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኣካል ደው ክብል ጎስጓስ ከካይድ ጸኒሕዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ዕማም ይቐጽል ዶ ይቛርጽ? ኣብ ዝብል ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ድጋፍ ጥራይዩ ረኺቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ኣመሪካን ዝመደበረን 32 ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂሰብን ማሕበራት ግብረሰናይን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ መርመራን ቁጽጽርን ክቕጽል ክጽውዓ ምጽንሐን ይፍለጥ።

እተን ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ሃገራትን፣ ብ22ግንቦት ኣብ ዝልኣኽኦ ደብዳቤ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ምእሳር ዜጋታት ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ውልቃዊ እምነትን ሃይማኖታትን፣ ከምኡ ድማ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ ከምዘይክበር ብምዝኽኻር የን ዕማም ናይቲ ጸብጻቢ ክናዋሕ ክሓታ ጸኒሐን።

ቅድሚ 13 ዓመታት ካብ ዝቐውም ክሳብ እዚ እዋንዚ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ዘይረኸበ ስፔሻል ራፖርተር፣ ዝተዋህቦ ዕማም ኣብዚ ወርሒዚ ዛዚሙዩ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዘሎ።

መበል ሳልሳይ ጸብጻቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክኸውን፡ ኣብ 2020 ዝተረቚሐ ዶ/ር መሓመድ ባቢከር፡ ብ16 ሰነ፡ ጸብጻቡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምቕራቡ ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ ዕማሙ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ልዑል ተስፋ ከምዘሎ ገሊጹ ኔሩዩ።

================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0