ኬንያ፣ ዜጋታታ ገፈፍቲ ዓሳ ፣ ምስ ሶማልያ ናብ ዘዋስን ክሊ ማይ ከይጽግዑ ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 05 June 2019

ኬንያ፣ ዜጋታታ ገፈፍቲ ዓሳ ፣ ምስ ሶማልያ ናብ ዘዋስን ክሊ ማይ ከይጽግዑ ኣጠንቂቓ።

እታ ሃገር ነዚ መጠንቐቕታ ተመሓላልፍ ዘላ፣ ምስ ሶማልያ ኣብ እትስሓሓበሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ምስ ሶማልያ ዘዋስን ዞባ ክሊ ማያት ኬንያ፣ ጆሴፍ ካኒሪ፣ ንማዕከን ዜና ኔሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኩሎ’ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ገፈፍቲ ዓሳ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ እቲ ምኽንያት ብስንኪ ጸጥታ ምዃኑ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ካብ ነዊሕ ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ኬንያን ሶማልያን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ወጥሪ ዓሪጉ ኣሎ።

ኬንያ ኣቐዲማ፣ ኩሉ’ቲ ካብ ሶማልያ ዝካየድ ዝነበረ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ኣቢላቶ’ያ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0