ካናዳ፣ ኣብ ባር ኣብ ዝተላዕለ ባእሲ ንሓደ ኤርትራዊ ብጥይት ዝቐተለ ኤርትራዊ፣ ሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

RADIO ERENA – Thursday, 24 April 2025
ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፣ ኣብ ባር ኣብ ዝተፈጥረ ባእሰን ዕግርግርን፣ ጥይት ተኵሱ ንሓደ ኤርትራዊ ዝቐተለ፣ ዮሴፍ ዳኒኤል ሓጎስ ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ንሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።
ዮሴፍ ዳኒኤል ሓጎስ፣ ኣብ 25 ታሕሳስ 2022፣ ወጋሕታ፣ ‘ቤላ’ ኣብ ዝተባህለ ቤት መግብን መስተን፣ ኣብ ዝተፈጥረ ባእሲ፣ ምስ ሳሙኤል ወልዳይ ሃይለ እብ ምስሕሓብ ከምዝኣተዉ ‘ዩ ተመልኪቱ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ድማ፣ ዮሴፍ ናብ ግዳማ ብምውጻእ ሽጉጥ ናብ ሳሙኤል ብምቕናቕ ጥይት ተኵሱ።
ሳሙኤል ናብ ክሽነ ክሃድም እኳ እንተፈተነ፣ ካብ ጥይት ከምልጥ ስለዘይካለ ዘልሓጥ ኢሉ ወዱቑ።
ብመኪና ጽዒኖም ናብ ሆስፒታል ምስ ወሰድዎ ድማ ዓሪፉ።
ወዲ 24 ዓመት ሳሙአል ወልዳይ ሃይለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ዓመታት ተዓቝቡ ዝጸንሐ ኤርትራውያን ስደተኛ ኮይኑ፣ ብናይ ስድራቤት ስፖሰር ናብ ካናዳ ካብ ዝኣቱ ሓደ ዓመቱ ጥራይ’ዩ ኣቝጺሩ ኔሩ።
ዮሴፍ ዳኒኤል ሓጎስ፣ ብወገኑ ኣቐዲሙ ብካልእ ገበን ተኸሲሱ፣ ን24 ሰዓታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክጸንሕን ኣብ እግሩ ድማ ንምንቅስቓሳቱ ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ጂፒኤስ ክግጠመሉ ዝተፈርደ ምንባሩ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሲቢሲ የመልክት።
ቤት ፍርዲ፣ ብሰሉስ 22 ሚይዝያ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ኣቐዲሙ ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ ንዝነበረ ዮሴፍ፣ ክሱ ናብ ዝሓሸ ገበን ወሪዱ ንሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ወሲኑ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0