ኤርትራ፣ ንጎበጣ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬይን ብሩስያ ዝዅንን ናይ ደገፍ ድምጺ ካብ ምሃብ ስሒባ

Radio Erena: 13 October 2022

ሩስያ፣ ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬይን ጎቢጣ ኣካላ ክትገብረን ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝኹንን ውሳኔ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ 143 መንግስታት ናይ ደገፍ ድምጺ ረኺቡ።

እቲ ብ13 ጥቅምቲ ዝተዋህበ ውሳኔ፣ መሓዙት ሩስያ ዝኾና ቤላሩስን ሶርያን ከምኡ ድማ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኣንጻር ምዕራባዊ ውሳኔታት ደው ዝብላ ሰሜን ኮርያን ኒኳራጓን ክቓወምኦ እንከለዋ፣ ኤርትራ ግና ድምጺ ካብ ምሃብ’ያ ስሒባ።

ምስ ኤርትራ ድምጺ ካብ ምሃብ ዝሕሰሓባ ሃገራት 35 ኮይነን፣ ከም ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኮንጎ ብዛራዝቪል፣ ቻይናን ህንዲን ይርከብአን።

ኤርትራ፣ ኣቐዲማ’ውን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንምዅናን ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረብ እማመ፣ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምሃባ ይዝከር።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0