ኤርትራ፡ ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

RADIO ERENA – Friday, 02 May 2025

ኤርትራ፡ ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፡ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ብምኽንያት 03 ግንቦት ተዘኪሩ ዝውዕል፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ናይ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ሃገራት ዩ፡ ንኤርትራ ኣብ ድሕሪት ኣቐሚጡዋ።

ቻይናን ሰሜን ኮርያን፡ ብቅደም ተኸተል፡ መበል 178 ከምኡ ድማ 179 ተርታ ብምሓዝ፡ ብናጽነት ፕረስ ንኤርትራ በሊጸናኣ።

ካብ 2001 ኣትሒዛ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው፣ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ክሳብ እዚ እዋንዚ ደሃዮም ብምጥፋ እትፍለጥ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፣ ብናጽነት ፕረስ ምስተን ዝተሓታ ሰለስተ ሃገራት እናተወዳደረትያ ሓሊፋቶ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካተን ብመንግስቲ ዝውነን፣ 12 ገጻት ዘለዋ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ሓንቲ መደበር ራድዮ ድምጺ፡ ኤፌ ኤምን ሓንቲ ድማ መደበር ቴሌቪዥንን፣ ካልእ ብህዝቢ ዝውነን ናጻ ማዕከናት ዜና የለን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዝተመስረታ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን፣ ብተዛማዲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሃጓፍ ናጽነት ፕረስ ንምምላእ ጻዕርታት ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ 2025፣ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ሰለስተ ሃገራት፣ ብቅደም ተኸተል፣ነርወይ፣ ኢስቶንያን ኔዘርላንድስን የን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0