RADIO ERENA – Monday, 07 July 2025
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ዝወጠኑ ‘ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 218 ኤርትራውያን፣ ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተታሕዙ መርበባት ዜና ሓቢረን።
እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም፣ ካብ ኬንያ ተበጊሶም፣ ሞሮቶ ናብ ዝተባህለት ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ኡጋንዳ ምስ በጽሑ ከምዝተታሑዝ‘ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።
ኣብታ ብረቡዕ 02 ሓምለ ዝተታሕዘት ቀዳመይቲ ጉጅለ፣ 74 ኤርትራውያን ክነበሩ እንከለዉ፣ ኣብታ ብሓሙስ 03 ሓምለ፣ ኣብ ሓደ ቁሸት ኣብ ዝርከብ ኣጕዶ ተሓቢኦም እንከለዉ ዝተታሕዘት ካልኣይቲ ጉጅለ ድማ 13 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 36 ምዃኖም ተገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ብቀዳም 05 ሓምለ፣ ሎኪቶንያላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዶብ ክልቴን ሃገራት፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገቲ ጠንጢኖሞም ዝኸዱ 108 ኤርትራውያን ብፖሊስ ከምዝተታሕዙ፣ ንፖሊስ ኬንያ ብምውካስ መርበብ ዜና ዘ ስታንዳርድ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
13 ካብኣቶም፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም እቲ መርበብ ጠቒሱ።
እቶም ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖም ዝግመት ኤርትራውያን፣ ናብ ዝተፈላለየ ማእከልት ፖሊስ ተወሲዶም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።
ስእሊ፣– ካብ መርበባት ዜና ኬንያ
==================
COMMENTS