‘ኣብ እስራኤል፡ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጥርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ዮርዳኖስ ተታሒዞም’

RADIO ERENA – Saturday, 26 April 2025

RADIO ERENA – Saturday, 26 April 2025
ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ብቅትለት ክልተ ሰባት ተጠርጢሮም ክህደኑ ዝጸንሑ፡ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ዮርዳኖስ ሓሺሽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን አብ ዝቖጻጸርሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተታሕዙ ኣፍሊጡ።
ዮርሳሌም ፖስት፡ ንፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፡ እቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተመልከተ ክልተ ጥርጡራት፡ ምስ ዮርዳኖስ ኣብ ዝዳወብ ዞባ ሺያ፡ ብሓሙስ 24 ሚያዝያ’ ዮም ብሰራዊት እስራኤል ተታሒዞም።
ኣብ ሓለዋ ዶባትን ስለያን ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት እስራኤል፡ ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ሓሽሽን ክከታተሎም ኣብ ዝጀመረሉ፡ ክሃድሙ ከምዝፈተኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተዘርዚሩ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ ምታዎም ኣብ ዝተኻየደሎም ተፍትሽ፡ ሓሽሽ ወይ ኣወላፊ መድሃኒታትን ገመዳትን ከምኡ ድማ እቶም ብቅትለት ክልተ ሰባት ክህደኑ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጥርጡራትን ከምዝተታሕዙ ተሓቢሩ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቶም ኤርትራውያን ናብ መደበር ፖሊስ ዞባ ሺያ ምስኣረከቦም ኣብ ዝተኻየደሎም መርመራ ድማ፡ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ብቅትለት ክልተ ሰባት ዝህደኑ ጥርጡራት ምዃኖም ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቶም ምሉእ መንነቶም ዛጊት ዘይተነጸረ ኤርትራውያን ጥርጡራት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንተወሳኺ መርመራ ናብ መደበር ፖሊስ ከተማ ቴልኣቪቭ ተሰጋጊሮም ኣለዉ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0