ኣመሪካ፣ ንፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ኣብ ጅቡቲ ኣሰልጢና

Radio Erena: 03 November 2016

Somali Police

ኣመሪካ፣ ንፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ኣብ ጅቡቲ ኣሰልጢና።

እዚ ኣብ ጅቡቲ ዝሰልጠነ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል፣ ብ30 ጥቅምቲ ድሕሪ ምምራቑ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ምርግጋእን ምውሓስን ጸጥታ ክዋፈር ምዃኑ ተገሊጹ።

ብኣመሪካን መሻርኽታን ዝቖመ ልፍንታዊ ሓይሊ ዕማማ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ስልጠና ሰራዊትን ፍሉይ ስርሒታትን ተዋፊሩ ይርከብ።

እዚ ኣብ ጅቡቲ ንሓይልታት ፖሊስ ሶማል ዝሃቦ ስልጠና’ውን መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ኣሎ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0