ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዘራኽብ መስመር ተዓጽዩ

Radio Erena: 16 October 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዘራኽብ ናይ መጓዓዝያ መስመራት፣ ብ15 ጥቅምቲ ተዓጽዩ ከምዝወዓለ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ምዕጽዋ እቲ መንገዲ፣ ምስቲ ኣብታ ሃገር ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ግጭታትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምዕጻው’ቲ መስመር ብዝምልከት ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብታ ሃገር፣ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ብዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ናብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮም፣ ትግራይ፣ ዓፈርን ካልእን ከባቢታትን ዘራኽብ መስመራት ብዕጡቓት ክዕጾ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣ/ዜ/ኢ

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0