ኡጋንዳ፣ ኤርትራዊ ነጋዳይ፣ “ኣጸሊማትኒ” ንዝበላ መደበር ቴሌቪዥን ከሲሱ

Radio Erena: 12 November 2019

ኣብ ኡጋንዳ፣ NTV ዝተባህለት መደበር ቴሌቪዥን፣ ብምስግጋር ደቂሰብ ኣጸሊማትኒ ብምባል ሓደ ኢርትራዊ ነጋዳይ ከሲሱዋ።

እቲ ምሕረትኣብ ስዮም ተመልሶ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ እታ ማዕከን ዜና፣ ኣብ ልዕሊኡ ብዝቐረበቶ ጸለመ፣ ንመዓልታዊ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ’ዩ ከሲሱ።

እንተኾነ፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ነቲ ብኤርትራዊ ነጋዳይ ዝቐረብ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝነጸጎ፣ ደይሊ ሞኒተር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ክሲ፣ መደበር ቴሌቪዥን NTV ኣብ ናይ 26 ሓምለ 2016 ፈነወና፣ ምሕረትኣብ ስዮም ተመልሶ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ካብ ኤርትራን ርዋንዳን ደቂንስትዮ ከምዘሰጋገረን ኣብ ልዕሊኤን ዓመጽ ከምዝፈጸመን ኣቃሊሓ።

ድሕሪ’ዚ ዝተቓልሐ፣ ከሳሲ “ጠቐነ” ዝበሎ ፈወነ ድማ፣ ኣብ ትካሉ ክሳራ ከምዘጋጠሞ ብምጥቃስ፣ እቲ ጸለመ ክእረመሉን ንዝወረደ ዕንወት ድማ ካሕሳ ክኽፈሎን’ዩ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክከራኸር ጸኒሑ።

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0