RADIO ERENA – Monday, 02 June 2025

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴል ኣቪቭ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ቴሌፎን ንምስራቕ ንወዲ 71 ዓመት ኣቦ ከምዝቐተለ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝበዝሕዎ፣ ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ፣ ሃቲክቫ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተቐትሉ ኣቦ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋ ምዃኖም ፖሊስ እኳ እንተረጋገጸ፣ መንነቶም ብዝርዝር ኣየመልከተን።
ቻነል 12 ዝተባህለት መርበብ ዜና ግና እቶም ዝተቐትሉ ኣቦ፡ ኤርትራዊ ምዃኖም ኣስሚራትሉ።
እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ፣ 40 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ነቶም ኣቦ ብእምኒ ርእሶም ሃሪሙ ሃለዋቶም ከምዝጠፍኡ ድሕሪ ምግባር’ዩ ቴሌፎኖም ሰሪቑ ክስወር ፈቲኑ።
እንተኾነ እቲ ጥርጡር፣ ነታ ዝሰራቓ ቴሌፎን ንክሸጣ ዓዳጊ እናደለየ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ብሰሉስ 29 ግንቦት ኣፍሊጡ።
ስእሊ፦ ካብ ዮርሳሌም ፖስት
================
COMMENTS