ቴል ኣቪቭ፣ ቴሌፎን ንምስራቕ ንወዲ 71 ዓመት ‘ኤርትራዊ’ ኣቦ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

RADIO ERENA – Monday, 02 June 2025
ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴል ኣቪቭ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ቴሌፎን ንምስራቕ ንወዲ 71 ዓመት ኣቦ ከምዝቐተለ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝበዝሕዎ፣ ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ፣ ሃቲክቫ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተቐትሉ ኣቦ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋ ምዃኖም ፖሊስ እኳ እንተረጋገጸ፣ መንነቶም ብዝርዝር ኣየመልከተን።
ቻነል 12 ዝተባህለት መርበብ ዜና ግና እቶም ዝተቐትሉ ኣቦ፡ ኤርትራዊ ምዃኖም ኣስሚራትሉ።
እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ፣ 40 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ነቶም ኣቦ ብእምኒ ርእሶም ሃሪሙ ሃለዋቶም ከምዝጠፍኡ ድሕሪ ምግባር’ዩ ቴሌፎኖም ሰሪቑ ክስወር ፈቲኑ።
እንተኾነ እቲ ጥርጡር፣ ነታ ዝሰራቓ ቴሌፎን ንክሸጣ ዓዳጊ እናደለየ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ብሰሉስ 29 ግንቦት ኣፍሊጡ።
ስእሊ፦ ካብ ዮርሳሌም ፖስት
================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0