ሶማል፣ 22 ኣባላት ኣልሸባብ ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 December 2021
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሶማል ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፣ ብውሑዱ 22 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ ማእከላይ ዞባ ሸበለ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ኣልሸባብ መዓስከር ብዝተኻየደ ስርሒት 17 ኣባላት’ቲ ጉጅለ ሞይቶም ክትብል መንግስታዊት ተለቪዥን ሶማል ገሊጻ።
ብካልእ ወገን ኣብ ደቡባዊ ሸበለ ዝርከባ ሰለስተ ነኣሽቱ ከተማታት ካብ ኣልሸባብ ንምምንዛዕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 5 ኣባላት’ቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ብፍላይ’ቲ ኣብ ማእከላይ ሸበለ ዝርከብ መዓስከር ኣልሸባብ፣ እቲ ጉጅለ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ንምክያድ ከም ቀንዲ መነሃርያ ይጥቀመሉ ምንባሩ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ይገልጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ጁባላንድ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣመሓዳሪ ከተማ ታብቶ ዝርከቦም ሰለስተ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሉ።

 

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0