ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክሰጉግ ከምዝኽእል ተገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 07 May 2025

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ክሰጉግ ከምዝኽእል፣ ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምውካስ ሮይተርስ ኣቃሊዑ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ካብ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ምምሕዳር፣ ብሰሉስ 06 ግንቦት ረኺበዎ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፣ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኣረጋጊጾምሉ።

ክልተ ካብቶም ሰበ ስልጣን ድማ፣ እቲ መስርሕ ምስጓግ፣ ብወትሃደራውያን ነፈርቲ ኣብ ሓጺር መዓልታት ከምዝጅምር ኣተንቢሆምሉ።

እንተኾነ፣ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝማእከሉ መንግስቲ ሊብያ ይኹን ንምዕራባዊ እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ዝርከብ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ተጓዳኒ መንግስቲ፣ ነቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝውሰድ ስጉምቲ ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ኣብ ትሪፖሊ ዝማእከሉ መንግስቲ ሊብያ፣ ኣመሪካ፣ ‘ብዘይ ኣፍልጦናንን ፍቓድናን ንሉኣላዊ ግዝኣት ሊብያ መምለሲ ስደተኛታት ክትጥቀመሉ ኣይንፈቅድን’ ክብል እንከሎ፣ እቲ ናይ ጀነራል ሓፍታር ተጓዳኒ መንግስቲ ድማ፣ ‘መግለጺ ኣመሪካ ንሉኣላውነት ሃገርና ዝጥሕስዩ’ ክብል ነጺግዎ።

ሮይተርስ፣ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቱ ንክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ‘ምስ ካልኦት ሃገራት ዘሎና ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝርዝሩ ኣይነቓልዕን ኢና’ ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብዚ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ልዕሊ 150 ሽሕ ወጻእተኛታት ብምቕያድ፡ መስርሕ ምስጓጎም ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ብዘይድልየቶም ተሰጕጎም ንዝመጽኡ ዜጋታተን ክቕበላ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊኤን እገዳ ከንብር ከምዝኽእል ይግምት።

ጎኒ ጎኒዚ፣ ሃገራቶም ምቕባል ንዝኣበየኦም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮምውን ምስታ ሃገር ዝርርብ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ መዳጎኒ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ኣብ አመሪካ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0