መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ንልዕሊ 700 እሱራት ምሕረት ጌሩ

Radio Erena: 13 September 2016

Prison

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ፣ ልዕሊ 700 እሱራት ብምሕረት ከምዝፈትሐ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ካብቶም ብዝተፈላለየ ገበን ተኸሲሶም፣ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ልዕሊ 700 እሱራት፣ እቶም ኣስታት 170 ምስቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ብዝተተሓዘ ዝተቐየዱ’ዮም።

ሓያሎ ካብኣቶም  ክሳብ 22 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ምንባሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዓመታዊ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ፣ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ካልኣ ኣጋጣሚታትን እሱራት ናይ ምፍታሕ ልምዲ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

=================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0