ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳመ-ሰንበት 3400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

Radio Erena: 13 September 2016

med res

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳመ-ሰንበት 3400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ሓይሊ ብሕሪ ኢጣልያ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

ብቀዳም 10 መስከረም ጥራይ ኣብ 18 ንኣሽቱ ጃላቡ ዝነበሩ 2300 ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ዝሓበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ንጽባሒቱ ሰንበት 11 መስከረም’ውን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ 1100 ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ገሊጹ።

ዓመተ 2016 ካብ ዝጅምር ክሳብ እዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ 124 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

 

ህይወት ስደተኛታት ንምድሓን፣ SOS Mediterranee ከምኡ ድማ ሓካይም ብዘይዶ (MSF) ዝተባህላ ክልተ ኣህጉራውያን ትካላት መራኽበን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣዋፊረን ከምዘልዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን፣ ነቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝውህዙ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ማእከል ባሕሪ ናይ ሞት ሓደጋ ከየጋጥሞም ንምድሓኖም መርኽበን ኣዋፊረን ይርከባ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 8 ሽሕ ዝግመቱ ስደተኛታት ኣብዚ ባሕሪ’ዚ ጥሒሎም’ዮም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0