ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን፣ ደሴት ሰኮትራ፣ ሚሊሻታት ምውፋር ትቕጽሎ ምህላዋ ተቓሊዑ

Radio Erena: 29 September 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ደሴት ሰኮትራ፣ ምሊሻታት ምውፋር ትቕጽሎ ከምዘላ፣ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ኣስታት 100 ዝኾኑ ሚሊሻ፣ ብመርከብ ተጻዒኖም ናብታ ደሴት ከምዝተዋፈሩ ዝሓበራ እተን መርበባት፣ ድሮ ኣብ ምዝዛም ናብ ዝተቓረብ ክልተ ግጹፍ ህንጻታት ክዕስክሩ ምዃኖም ኣሚተን።

ሰኮትራ፣ ኣብ ኣፍደገ ወሽመጥ ዓደን እትርከብ፣ ንቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን እተተኣሳስርን፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕን ስትራቴጃዊት ደሴት’ያ።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንሚሊሻታት ደቡብ የመን ብምድጋፍ፣ ንየመን ንምግምማዕ፣ ንደሴት ሰኮትራ ከም መጣልዒ ጂኦ ፖለቲካ ትጥቀመላ ምህላዋ’ያ ትውቀስ።

እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ኣብ ኤርትር ዘሰልጠኖም ሚሊሻታት የመን፣ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ከተዋፍር ምጽንሓ’ውን ይጥቀስ’ዩ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0