‘ሑቲ ኣላሽ ስለዝበለ ኣብ የመን ከነካይዶ ዝጸናሕና ደብዳብ ደው ክብል’ዩ’ ፕረዚደንት ትራምፕ

RADIO ERENA – Wednesday, 07 May 2025

ሑቲ፣ ንጽዑቕ መጥቃዕታት ኣመሪካ ክጻወር ብዘይምኽኣሉ፣ ኣላሽ ስለዝበለ፣ ደብዳብ ደው ክብል ምዃኑ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ዶናልድ ትራምፕ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ 06 ግንቦት፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሑቲ ናይ የመን፣ ኣላሽ ከምዝበለን ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ድማ ከምዘይጥቅዕን ስለዝሓበረ፣ ነዚ ብምኽባር፣ ኣመሪካ ብወገና ኣብ ልዕሉኡ ከተካይዶ ዝጸንሕት ጽዑቕ ደብዳብ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ፣ ሑቲን ኣመሪካን ብመንጎኝነት ዖማን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኸተማ፣ ብሰሉስ 06 ግንቦት፣ ኣብ ዝተነግረሉ ዕለትዩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ሑቲ ጽዑቕ መጥቃዕታት ንምክያድ ካብ እትእውጅ፣ ኣብ ልዕሊ 1000 ዒላማታት ደብዲባ።

እስራኤል ብወገና፣ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ሑቲ ክውንጭፎ ዝጸንሐ ሮኬታት፣ መዓርፎ ነፈርቲን ወደባትን ዝርከቦ ኣብ ዝተመርጸ ዒላማታት ጽዑቕ ደብዳብ ኣካይዳያ።

ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ፣ ንሓማስ ብምድጋፍ፣ ናብ እስራኤል ሮኬታት ክውንጭፍን፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ኣመሪካን መሻርኽታን ድማ ከጥቅዕን ዝጸንሐ ሑቲ፣ ብኢራን ከምዝድገፍ ዩ ዝንገረሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0