የመን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2500 ስደተኛታት ኣብ ሓደ ወርሒ

የመን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2500 ስደተኛታት ኣብ ሓደ ወርሒ

Radio Erena: June 03, 2014

Yemen

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2 500 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ናብ የመን ከምዝኣተዉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም 150 ደቂንስትዮን 65 ቆልዑን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ቀይሕ ባሕሪ ብምስንጣቕ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ የመን ዝኣተዉ ምዃኖም’ዩ እቲ መንግስቲ ዝሕብር።

እቶም 1 500 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ጅቡትን ምዃኖም እቲ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተረኽበ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

 

መብዛሕቶም ናብ የመን ዝውሕዙ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ደኣ ይኹኑ’ምበር ሳሒቲ’ውን ዜጋታት ኤርትራ ቀይሕ ባሕሪ ብምስንጣቕ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

የመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ኣብ ዝቕጽልዎ መስርሕ ግዳያት ዝተፈለለየ ግፍዕታት ዘህጛውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲን ከምዝኾኑ ብቐጻሊ ዝዝረበሉ ጉዳይ’ዩ።

እቶም ኣብ የመን ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ዝተርፉ ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን’ውን እንተኾኑ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም የማርሩ።

ኣብ ፖለቲካውን ጸጥታውን ወጥሪ እትርከብ የመን ብወገና በብእዋኑ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከተዕቑብ ዓቕሚ ከምዘይብላ ብምጥቃ፣ ኣህጉራዊ ማሕበርሰብ ህጹጽ ፍታሕ ከናድየሎም’ያ ትጽውዕ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0