Radio Erena: 15 May 2019
ኣብ ኤርትራ፣ ንውሱናት ሓለፍቲ መንግስትን ካድራት ህግደፍን እንተዘይኮይኑ፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ደው ኢሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብፍላይ ከም ፌስቡክ፣ ቲዊተር፣ ቫይበር፣ ዋትስኣፕ ዝመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ይሰርሕ የለን።
ይኹን’ምበር፣ ፍሉይ ዕላማ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ከካይዱ ዝተረቑሑ ውሱናት ሓለፍቲን ካድራትን ህግደፍ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
ምዕጻው ኣገልግሎታት ኢንተርነት ንህዝቢ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኻት፣ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ከይፈጥር ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ግምታት ይወሃቦ።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብማሕበራዊ ሜድያታት ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ብሃንቀውታ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ እዋን 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጽኑዕ ሓለዋን ምቁጽጻርን ከምዘካየድ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ውሑድ ዓቀን ባንዲ ዊዲዝ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምህላዉ፣ ተጣቃሚ’ውን ብደረጅ ሃገር ካብ 1 ሚእታዊት ዝሓለፍ ከምዘይኮነ’ዩ ዝግለጽ።
======================