ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ቆላሕታ ክረኽቡ ዝጽውዕ፣ ጉዕዞ ንፍትሒ (Ride for Justice ) ዝተሰምየ ዙር ብሽክለታ ይካየድ

Radio Erena: 03 May 2019

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ቆላሕታ ክረኽቡ ዝጽውዕ፣ ጉዕዞ ንፍትሒ (Ride for Justice )ዝተሰምየ ዙር ብሽክለታ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ካብ ሮቡዕ 1 ክሳብ ሰንበት 5 ግንቦት ዝካየድ ዘሎ ዙር፣ ካብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተበጊሱ ክሳብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ ዝበጽሕ ኣስታት 450 ኪሎሜተር ክሽፍን’ዩ።

ኣብዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ዝጽውዕ ዙር፣ ልዕሊ 10 ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ዙር፣ ተሳተፍቲ፣ ከተማ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዝኾነት ብራስለስ ኣብ ዝበጽሕሉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት መብርሂ ክህቡ ምዃኖም ሓደ ካብ ወደብቲ ሳምሶም ሰለሙን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ዝኽበርኩም ተኸታተልቲ፣- ምስዞም ኣብ ዙር ጉዕዞ ንፍትሒ(Ride for Justice) ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ዕላል ኣብ ናይ ቀዳም 4 ግንቦት ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ክቐርብ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    MAY GOD HELP YOU