ኢትዮጵያ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ኣስታት ሓደ ሽሕ ቦጣት ምዕጋተን፣ ከቢድ ስእነት ነዳዲ ኣኸቲሉ

ኢትዮጵያ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ኣስታት ሓደ ሽሕ ቦጣት ምዕጋተን፣ ከቢድ ስእነት ነዳዲ ኣኸቲሉ

Radio Erena: 17 January 2019

 ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፣ ካብ ጅቡቲን ሱዳንን ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ብምዕጋተን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢኡን  ከቢድ ስእነት ነዳዲ ኣኸቲሉ። 

 

      ዘ ሪፖርተር ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ክልል ዓፈር ድሕሪ ዝተኸስተ ተቓውሞ፣ መስመር ጅቡቲ- ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልታት ምዕጻው፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ኣስታት 1 ሽሕ መካይን’የን ተዓጊተን።

 

      እዚ ድማ ኣብ ቀረብ ነዳዲ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ይርከብ።

 

 

      ይኹን’ምበር እቲ መስመር ድሕሪ ምኽፋቱ፣ እተን ቦጣት ነናብ ዝተመደበለን ቦታ ይበጽሓ  ምስ ምህላወን፣ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ኣብ ዝሓጸረ ክፍታሕ ትጽቢት ከምዘሎ ሓላፊ ቀረብ ነዳዲ እታ ሃገር ኣቶ ታደሰ ሃይለማርያም ኣገንዚቡ።

       ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት ነዳዲ፣ ይዝቲ ምህላዉ ማዕከን ዜና መንግስቲ ኣመልኪቱ።

ብወገን ክልል ኣምሓራ’ውን ካብ ሱዳን ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ኣብ መተማ ምዕጋተን፣ ተመሳሳሊ ጸገም ከምዝፈጠረ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ’ዩ።

      ብፍላይ መስመር ጅቡቲ-ኢትዮጵያ ምዕጻው፣ ነታ ዝበዝሐ ናይ ነዳዲን ካልእን ቀረባታን ኣብ ወደብ ጅቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ይግለጽ።

      እቲ መስመር ክልተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻው፣ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ተመሊሱ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ሃጓፍን ወጥርን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የረጋግጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0