ኬንያ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ 14 ሰባት ቀቲሉ

ኬንያ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ 14 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 17 January 2019

ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ወጻእተኛታትን ሰብ ጸጋ ሃብቲን ኣብ ዘዘውትርዎ ሆቴል ብ14 ጥሪ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም።

      ብዘይካ’ዚ ሓያሎ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ኣብቲ ሆቴል ዝነበሩ ልዕሊ 700 ኣጋይሽ ናብ ውሕሱ ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ተሓቢሩ።

 

      ናይቲ ጠበናጁ ብዝዓጠቑ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲን፣ ኣብ መኪና ነታጕጎ ብምጽዋድን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

      ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ኣልሸባብ ብምሉኦም ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

      ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ተደጋጋሚ መጥቓዕታት ከምዘካይድ ዝፍለጥ ክይኑ፣ ኣብ 2015፣ ጋሪሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ፣ 147 ሰባት ከምዝቐተለ ኣይርሳዕን።

      ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ፕረዚደን ኢሳይያስ ናብ ኬንያ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ዝምድንኡ ምስታ ሃገር፣ ዞባናን ዘመሓይሽ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመጀመርያ እዋኑ፣ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብወግዒ ኮኒኑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0