ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብናጻ ኣካል ዝተማእከለ ሓድሽ ስምምዕ ይጠልብ

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብናጻ ኣካል ዝተማእከለ ሓድሽ ስምምዕ ይጠልብ

Radio Erena: 15 January 2019

ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝተሓበረ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብናጻ ኣካል ዝተማእከለ ሓድሽ ስምምዕ ከምዘድሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብኦነግ- ሸኔ ዝፍለጥ ግንባር፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊቱ ናብ ኢትዮጵያ እኳ እንተስገሮም፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ካልእ ከባቢታትን ዝርከቡ ኣባላቱ ግና ዕጥቆም ከምዘይፈትሑ’ዩ ዝግለጽ።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣባላት እቲ ግንባር፣ ኣብ ኣመራርሓን ሰራዊትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክጽንበሩ ዝብል ከምዝርከቦ ይጥቀስ።

ኦነግ ብዝህቦ ዘሎ መግለጺ ድማ፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኸተመ ስምምዕ ዝተኣትወ መብጽዓታት ከምዘይተተግበረ’ዩ።

እቶም ካብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኣባላት ሰራዊት ኦነግ፣ ኣብ ተሃድሶ ድሕሪ ምእታዎም፣ እቶም ብቕዓት ዘለዎም ናብ ሰራዊት መንግስቲ ክጽንበሩ እቶም ዝተረፉ ድማ ክጣየሱ ከምዝጀመሩ መንግስቲ በብእዋኑ ክጠቅስ ጸኒሑ’ዩ።

ዳውድ ኢብሳ ዝርከቦም መሪሕነት ናይቲ ግንባር፣ ንሰራዊቶም ዕጥቁ ከፍትሑ ንዝቐረበ ጻውዒት ሎሚ ጽባሕ እናበሉ ግዜ ምውሳዶም፣ ከቢድ ዕንወት ኣኸቲሉ ከምዘሎ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኦነግ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ጽዑቕ መጥቃዕታት የካይድ ከምዘሎን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ዛጊት ክቆጻጸሮ ከምዘይክኣለን ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0