ኤርትራ፣ እገዳ ምልዓሉ ንኣውፈርቲ ዕደና ከተባብዕ ትጽቢት ይግበረሉ

ኤርትራ፣ እገዳ ምልዓሉ ንኣውፈርቲ ዕደና ከተባብዕ ትጽቢት ይግበረሉ

Radio Erena: 19 November 2018

Mining lifted sanction

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ንትሽዓተ ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ፣ ኣብ ዕደና እታ ሃገር ወፍሪ ክገብራ ንዝደልያ ኩባንያታት ወጻኢ ዘተባብዕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ማዕከን ዜና ማይኒንግ ዊክሊ፣ ንኩባንያ ዕደና ዳናካሊ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ እቲ እገዳ ምልዓሉ፣ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ብምትብባዕ፣ ንቁጠባ ኤርትራ ከመሓይሽ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣውስትራልያ ኣመደበሩ ኩባንያ ዳናካሊ፣ ኣብ ደንካልያ፣ ከባቢ ኮሎሊ ዕደና ፖታሽ ዘካይድ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ብውሕዱ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዕደና ሓደ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ምሉእ ብምሉእ ክልዓል ምውሳኑ፣ ንናይ ወጻኢ ናይ ኩባንያታት ከተባብዕ ከምዝኽእል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኔቭሰን፣ ኣብ ካናዳ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ካልእ ንኣውፈርቲ ዕደና ዘጠራጥር ጉዳይ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ኤርትር፣ ከባቢ ቢሻ ኣብ ዓደና ተዋፊሩ ዝርከብ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብናይ ህግደፍ ናይ ህንጻ ትካላት ተመዲቦም ንዝመጽእዎ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ “ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ኣዋፊሩ” ብዝብል’ዩ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ ተኸሲሱ ይርከብ።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0