ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ተዋፊሩ

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ተዋፊሩ

Radio Erena: 09 October 2018

Sudan army

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ የመን፣ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ከምዝተዋፈረ ኣል ዓረብያ ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቑጽጻር ድሕሪ ዘካየድኦ ጽዑቕ ደብዳባት’ዩ ሰራዊት ሱዳን ናብታ ከተማ ከምዝተዋፈረ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዝሒ ናይቲ ብሰንበት 7 ጥቅምቲ ዝተዋፈረ ብዝሒ ሰራዊት ሱዳን እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ ኣቐዲሞም ምስ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ልፍንቲ ብምውህሃድ ክነጥፍ ምዃኑ ግና ተሓቢሩ።

ሱዳን፣ ኣብ የመን ልዕሊ 1500 ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዝበጽሖ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ክሰሓብ ብተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ንዝቐረበ ጻውዒት መንግስቲ ሱዳን ነጺግዎ’ዩ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ወደባት የመን፣ ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሖደይዳ፣ ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ዛጊት ክዕወት ከምዘይክኣለ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ሖዴይዳ፣ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ናይ የመን ወደብ ‘ያ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ንወደብ ዓሰብ ከም ከናሃርያ ይጥቀማሉ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኤርትራ፣ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክሓተ ምጽንሐን ይግለጽ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0