ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 23 July 2018

Issaias and Salman

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ 23 ሓምለ ናብ ሪያድ ከምዘምርሐ ማዕከናት ምንጭታት ዜና ወሽመጥ ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሪያድ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ንጉስ ሳልማን ቢን ኣል ስዑድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፣ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብምትኳር ክዝቲ ከምዝኽእል ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሾም ከምዘለዉ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የመነ ገበርኣብ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ወግዓዊ መገሻታቱ ናብ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ።

ብኣንጻር እዚ፣ ክሳብ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር ኣይነበረን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0