ኣመሪካ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ጅቡቲ ኣሰልጢና

ኣመሪካ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ጅቡቲ ኣሰልጢና

Radio Erena: 05 July 2018

djibouti_us trainingኣመሪካ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ጅቡቲ ከምዘሰልጠነት ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ህጹጽ ስርሒታት ክዋፈር ዝኽእል ሓይሊ 112 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ብዘሎ ኣሃዱታት ኣመሪካ’ዩ ስልጠና ክወሃብ ጸኒሑ።

እቲ ሓይሊ ብ28 ሰነ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካን ጅቡትን ተረኺቦም።

ከምዚ ዓይነታት ወትሃደራዊ ስልጠናታት ክቕጽል ምዃኑ’ውን ሓላፊ ምውህሃድ ሓይሊ ዕማም ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሮበርት ዮቪች ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

እዚ ተመሪቑ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ፣ ምስቲ ብኣመሪካን ጅቡትን ዝቖመ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ዕማም ብምውህሃድ ኣብ ዝተፈላልዩ ስርሒታት ክነጥፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ትሕቲ እዚ ሰራዊታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝመሓደር ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጅቡቲ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0