ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ክዝቲ’ዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 01 July 2018

AU headquartersመራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ክዝትዩ ምዃኖም ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ሞውሪታንያ ዝካየድ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናጻ ንግዲ፣ ብልሽውና፣ ከምኡ’ውን ሰብኣውን ጸጥታውን ቅልውላው ኣብ ዝብል ዛዕባ’ውን ከምዝዝቲ ተሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከም ሕቡራት ሃገራትን፣ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ነቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ሓገዙ ከበርክት ምዃኑ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ካብ ሰምበት ዝጅምር ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንኩነታት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ደቡብ ሱዳን ከምኡ’ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዘካዪዳ ሃገራት ኣመልኪቱ’ውን ክዝቲ ትጽቢት ይግበረሉ።

ንሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ቀንዲ መሓንቖታት ምዕባለ ኮይኑ ዘሎ ብልሽውና ንምጉዳል ዝካየድ ጻዕሪ ብዝያዳ ዝሕይለሉ መንገዲ ንምንዳይ ኣብቲ ዋዕላ ክዝተየሉ’ዩ። ከምዝፍለጥ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ሃገራት ኣፍሪቃ ዓመታዊ 25 ሚእታዊት ማለት ልዕሊ 148 ቢልዮን ዶላር ብብልሽውና ከምዝጠፍእ፣ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ሞውሪታንታ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንወል ማክሮን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0