ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋን ንምግታእ ዝሕግዝ ውጥን ክዳሎ ተሰማሚዐን

ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋን ንምግታእ ዝሕግዝ ውጥን ክዳሎ ተሰማሚዐን

Radio Erena: April 4, 2014

Eu Africa

ኣብ ብራስለስ ንኽልተ መዓልታት ዝተጋብአ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዘልዓሎ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታትን ምንባሩ፣ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ገሊጸን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ከም ንግዲ ክሌማዊ ለውጢን ካልእ ፖለቲካውን ቁጥበኣውን ጉዳያትን እኳ እንተተላዕሉ፣ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ’ውን ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ኣርእስታት ምንባሩ ተፈሊጡ።

ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ግኑን ስም ከምዘለወን ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ላምፔዱሳ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸየጋጥምን ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይን ክውሰደ ዘለዎ ስጉምታት ኣብ ምዝርራብ’የን ዝርከባ።

 

ኣብዚ ካብ 2 ክሳብ 3 ለካቲት ዝተኻየደ መበል ራብዓይ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእን ሓደጋ ባሕሪ ንምውጋዱን ሓደ ውጥን ክዳሎ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ተካይዶ ኣብ ዘላ ባሕርና ዝሰመየቶ ስርሒት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳልሳቲ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ተድሕን ምህላዋ ገሊጻ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ጥራይ ድማ መብዛሕቶም ካብ ኤርትራን ሶማልን ዝመጹ ኣስታት730 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያ ከምዘድሓነት ኢጣልያ ኣፍሊጣ።

ካብ ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዜና ከይወጻእና፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኤርትራ ንእትርከበን 9 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ናይ ጸዓትን ኤሌክትሪሲቲን ጸገማን ንምፍታሕ ዘኽእለን ፕሮጀክታት ንምድላው ዝሕግዝ ናይ 95 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘበርከተ ተፈሊጡ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0