“ጸብጻብ መ.ኤርትራ ግዚኡ ዝሓለፎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ” ተጣበቕቲ መሰላት

“ጸብጻብ መ.ኤርትራ ግዚኡ ዝሓለፎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ” ተጣበቕቲ መሰላት

Radio Erena: 29 April 2018

 comm hr africaመንግስቲ ኤርትራ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጸብጻብ ግዚኡ ዝሓለፎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ከሲሶም።

ኤርትራ ዳግማይ ኣባል ‘ቻርተር ኣፍሪቃ 1999’ ካብ እትኸውን ኣትሒዙ ን17 ዓመታት ዝደንጎየ እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ፍጹም ዘይራኸብ’ዩ ክብሉ’ዮም እቶም ኣህጉራውያን ትካላት ዝኸሱ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እንዳንቆልቆለ እምበር ዝተመሓየሸ ነገር የለን ድሕሪ ምባል፣ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ደረቕ መንገዲ፣ ኣብታ ሃገር ኣትኻ ብጭቡጥ ንምዕዛብ ኣይተኻእለን ኢሉ። ዝበዝሐ ሓበሬታ ኣኪቡዎ ዘሎ ነታ ሃገር ራሕሪሑ ካብ ዝስደድ ዘሎ ዜጋኣ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ንዓመታት ተቐዪዶም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኤርትራ፣ ቤተሰቦም’ውን ገና ደሃይ ዘይብሎም ተዳጊጒኖም ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ብወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ ንሓቅነት ዝኽሕድን ንኩነታት ኤርትራ ዘይውክልን’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

ኣብዚ ንመበል 62 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብወገኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጸብጻቡ ንምቕራብ ን17 ዓመታት ምድንጓዩ ንርእሱ ዘልዕሎ ሕቶታት ብዙሕ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ንዓመታት ዝኣክል ዲክታቶራዊ ሓይሉ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየዶ ሕሱም ምልኪ ተጸሚዱ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ህዝቡ ዕሽሽ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ኢሉ ነዚ ምስ ክዉንነት ዘይራኸብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ክብል ይገልጽ።

ዋዕላ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ 30 ሚያዝያ ኣብ ሞውሪታንያ ክቕጽል’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0