ቁጽሪ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሶማላውያን ናብ 358 ክብ ኢሉ

ቁጽሪ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሶማላውያን ናብ 358 ክብ ኢሉ

Radio Erena: 22 October 2017

somalia bombedቁጽሪ ናይቶም ብዕለት 14 ጥቅምቲ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሶማላውያን ናብ 358 ክብ ኢሉ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ሶማል ዓብዲራሕማን ዑስማን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ድሕሪ’ቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገና 56 ሰባት ጠፊኦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ 228 ዝቖሰሉ፣ 122 ከኣ ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ ቱርኪ ሱዳንን ኬንያን ተወሲዶም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሶማል ንመላእ ሃገር ዝጽውዕ ናይ ክተት ኣዋጅ ክእውጅ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ኣብዚ ሳልስቲ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ድሮ ደገፈን ክገልጻ ጀሚረን ኣለዋ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ሶማል ካፕቴን ዓብዱላሂ ኢማን፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ቀዋሚ መዓስከር መስሪቱሉ ዘሎ ዞባታት ሸበሌ ከምዝኸውን ኣሚቱ’ሎ።

እቲ ልዕሊ ሽዱሽተ ኩንታል ዝምዘን ነታጒ ብዝጸዓነት መኪና ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቀንዲ ዒላምኡ፣ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ከምዝነበረ ይግለጽ።

ኣመሪካ ኣብዚ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘለዋ ተራ ገና ኣይተገልጸን። ምምሕዳር ትራምፕ ወተሃደራዊ ምትእትታው ድሕሪ ምእዛዙ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዛ ኣመሪካ 19 ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ኣብ ሶማል ኣካዪዳ ኣላ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን 40 ወተሃደራውያን ሰብ ሞያ ኣብ ስልጠና ሰራዊት ክሳተፉ ናብ ሶማል ከምዝለኣኸት ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0