ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ማላካል ሓያል ግጭት ይቕጽል፣ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምሉኦም ኣቐዲሞም ወጺኦም’ዮም

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ማላካል ሓያል ግጭት ይቕጽል፣ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምሉኦም ኣቐዲሞም ወጺኦም’ዮም

Radio Erena: February 21, 2014

Malakal

ኣብታ ሓያል ግጭት ዝካየደላ ዘሎ ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ዝኾነ ዞባ ደቡብ ሱዳን እትርከበ ከተማ ማላካል፣ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምልኦም ከምዝወጹ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሓያሎ ወገናት ኣረጋጊጾም።

ግጭት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፣ ኣብ ማላካል ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ኣብቲ ቀጽሪ ተዓቝቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ ጁባ ክግዕዙ እንከለዉ፣ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ግና ንብረቶም ከይዝመት ኣብ ትካላቶምን ገዛውቶም ተዓጽዮም ከምዝነበሩ’ዩ ተሓቢሩ።

 

ኣብታ ከተማ ዳግማይ ግጭት ኣብ ዝተወልዓለኡ፣ ኩነታት ኤርትራውያን ንምፍላጥ ሬድዮ ኤረና ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ፈተነታት ድማ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማላካል ዝኾነ ኤርትራዊ ከምዘየለን፣ ኣብ ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ’ውን ናብ ጁባ ግዒዞም ከምዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝጸንሐት ከተማ ማላካል ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ወዲቑ ከምዘሎን ሓያል ግጭት ይቕጽል ምህላዉን ማዕከናት ዜና ይገልጻ።

ደቡብ ሱዳን ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምጥሓሱ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ንሰላም ምሉእ ብምልኡ ፈሪሱ ናብ ዝበኣሰ ኵናት ሓድሕድ ከይትሽመም ተሰጊኡ ኣሎ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0